Mass Media and Free Press in Eritrea
Sign up  |   |   |  Latest Topics  |  Chat
 
 
 


Note: This topic is locked. No new replies will be accepted.


Reply
  Author   Comment  
yafiet

Registered:
Posts: 15
Reply with quote  #1 

1.    ተ.ሓ.ኤ-ሰ.ባ ሕጂ ካብ ፖሎቲካዊ ግንባር ንፖሎቲካዊ ሰልፊ ክቕየር ይዋደድ ኣሎ። ኣቀዲሙ ኣብ ታሪኽ ዝወሰዶም ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ መርገጺታት ከመይ ገይሩ ክዛዝሞም እዩ?

ንመረዳእታ፡-

 

ሀ. ናይ ኤርትራ ንናጽነት ሪፈረንደም ምርጫ እወ ወይ ኣይፋሉን ምድማጽ ሕቶ።

 

ለ. ብሃይማኖት ዝግበር ፖሎቲካዊ ምጥርናፋት ናይ ምትብባዕን ኣጂኩም ምጥርናፋትኩም ንድግፎ ኢና ናይ ምባል ሕቶ።

 

ሐ. ሰዓብቲ ምስልምና ዝርከብዎ ቦታታት፡ ሸሪዓኦም ክጥቀሙ፡ እቶም ሰዓብቲ ክርስትና ዝነብርዎ ቦታታት ድማ ሕጊ-እንዳባ ክጥቀሙ ኣብ ዝብል ማእካላይ ስምምዕ ናይ ምብጻሕን ምቕባልን ሕቶ።

 

መ. መሪሕነታዊ ኣኼባ11 ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣቦ-መንበራትን ወከልቲ ኣቦ-መንበራትን 11 ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ 15-19 ጥሪ 2008 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከካይዱዎ ዝቐነዩ መሪሕነታዊ ኣኼባ ኣብ ደምዳሚ ኣዋጅ መግለጺኡ፡ ንሕጋዉን ናይ መጨርስታ ቀያዲ ዉሳኔ ዶብ ብምንጻግ  ከምዚ ዝብል መግለጺ ዘርጊሑ"ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰንፈላል ሃውህው ዘሰፍንን ኵናት ከንቱግ ዝኽእል ወጥሪ ዘዛይድን ዘሎ ጉዳይ ዶብ፣ ኣብ ብይን ኮሚሽን ዶብ መሰረት ብምግባር፡ ብዘተን ሰላማዊ ኣገባብን ንምፍታሑ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዕቱብ ጻዕርታት ከካይድ ጸዊዑ”” ይብል። ሰዉራዊ ባይቶ እዉን ኣካል ናይዚ መግለጽን መርገጽን ምኻኑ ፍሉጥ እዩ።

 

. “”ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ይኹን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ዘይተሰረተ ስልታዊ ግንባር ስለዝዀነ ክወድቕ ግድነት ኢዩ””። ሕጂ፡ ነቲ ልፍንቲ ናብ’ቲ ቅድሚ ውድቀቱ ዝነበረ ሃለዋት ምምላሱ ዝብል ናይ ሓላማይ ዘረባ’ዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ ቀደም ፍልይ ዝበለ ንዅሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ ሓድሽ ቅዲ (ፎርሙላ ክፍተሽ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኵሎም ኣብ ስትራተጂካዊ ጕዳያት ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ውድባት ናይ ገዛእ ርእሶም ልፍንቲ ይምስርቱ። በዚ ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ወይ ካብኡ ንላእሊ ዝዀኑ ርእሶም ዝኸኣሉ ልፍንትታት ወይ ቀጽርታት ክህልዉ’ዮም ማለት ኢዩ። ኣብ መንጐ’ዞም ልፍንትታት እዚኣቶም ድማ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስምምዕ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ክብል ከምዘይከረመ ሕጂ ዳግም ናብቲ ኪዳን ስልታዉን ወዳቕን ዝብሎ ዝነበረ ምምላስ ሕቶ።…ወ.ዘ.ተ

የቐንየለይ ንመልስኹምን ግዜኹምን!

commission_1

Registered:
Posts: 8
Reply with quote  #2 

እቲ ሰልፊ መቐጸልታ ናይ ክኸይድ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ተመኩሮ ኢዩ። እቲ ሰልፊ ንኣወንታዊ ዝብሎ ምዕራፋት ወሲዱ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንምብጻሕ ክጽዕር ኢዩ፡  እቲ ሰልፊ መቐጸልታ ሰውራዊ ባይቶ ኣይኮነን። ናቱ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝጅምር ዘሎ ኢዩ። ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ።ይኹን እምበር እዚ ሓዲሽ ሰልፊ ወራሲ ንብረትን ገንዘብን ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ ኢዩ።እቲ ሰልፊ ናቱ ጉዕዞ ድሕሪ ጉባኤኡ ኢዩ ዝጅምር። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጠቐስካዮም ነጥብታት ንስኻን፣  ካልኦት ኤርትራዊን ከምኡ ኣውን ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ ነናቶም መርገጻትን ሚዝናትን ኣለዎም።ገሌና ቅኑዓት ክንከውን ኢና ። እዚ ኻኣ ከምቲ ካልእ ተርእዮታት ኣብ ጊዜኡ ብሓደ ክምዘን ኢዩ።

yafiet

Registered:
Posts: 15
Reply with quote  #3 
Quote:
Originally Posted by commission_1

እቲ ሰልፊ መቐጸልታ ናይ ክኸይድ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ተመኩሮ ኢዩ። እቲ ሰልፊ ንኣወንታዊ ዝብሎ ምዕራፋት ወሲዱ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንምብጻሕ ክጽዕር ኢዩ፡  እቲ ሰልፊ መቐጸልታ ሰውራዊ ባይቶ ኣይኮነን። ናቱ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝጅምር ዘሎ ኢዩ። ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ።ይኹን እምበር እዚ ሓዲሽ ሰልፊ ወራሲ ንብረትን ገንዘብን ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ ኢዩ።እቲ ሰልፊ ናቱ ጉዕዞ ድሕሪ ጉባኤኡ ኢዩ ዝጅምር። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጠቐስካዮም ነጥብታት ንስኻን፣  ካልኦት ኤርትራዊን ከምኡ ኣውን ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ ነናቶም መርገጻትን ሚዝናትን ኣለዎም።ገሌና ቅኑዓት ክንከውን ኢና ። እዚ ኻኣ ከምቲ ካልእ ተርእዮታት ኣብ ጊዜኡ ብሓደ ክምዘን ኢዩ።

እዚ ንምስርቶ ዞሎና ሓድሽ ሰልፊ፡ መቐጸልታ ሰዉራዊ ባይቶ ኣይኮነን ዲኻ ዝበልካ! ቡዙሕ ኣይክህወኽን እየ ባዕሉ ኩሉ ግዝየ ከርእየና እዩ። ጽባሕ ንግሆ ካብ 90-99% እቲ ዝቐዉም ሰልፊ ኣባላቱን መሪሒነታቱን ኣባላት ሰዉራዊ ባይቶ ዝነበሩ ምስ ኮኑ፡ ዳግም ኣልዒልና ክንዛረበሉ ኢና።
ወድሓንካ!
Previous Topic | Next Topic
Print
Reply

Quick Navigation:


Create your own forum with Website Toolbox!