Mass Media and Free Press in Eritrea
Sign up  |   |   |  Latest Topics  |  Chat
 
 
 


Reply
  Author   Comment  
adal

Moderator
Registered:
Posts: 88
Reply with quote  #1 

መራኽቢ ብዙሓን/Mass communication

(ቀዳማይ ክፋል

 

ብጸጋይ ነጋሽ

                       

 

ረድዮ ኤርትራ ሃሊፋክስ-ካናዳ፡ ኣብ ዕለት 3ን 10ን ነሓሰ 2008፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ግደ ኣለዎም ንዘበሎም ኤርትራውያን ኣራኺቡ ናይ ዘተ መኣዲ ኣሳስዩ። ብሓቂ ብዓይነቱ ይኹን ብትሕዝትኡ ኣገዳሲ ነይሩ።

 

ዘተይቲ፡ ካብ ዝተፋላለየ ባይታ ናይ ተሞኩሮን ኣፍልጦን’ኳ ይቕርቡ እምበር፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትስ ፍልልይ ኣየመዝገቡን። ንኣብነት ኣብ ናይ ጋዜጠኝነት ስነ-ምግባር/ኣደብ (ethics) ዝምልከትን ናጻ-ፕረስ መባእታዊ መሰል ናይ ደቂ-ሰባት ምዃኑን ብሓደ ርእዮሞ። ኣብ ኤርትራ፡ ናጻ ፕረስ ስለዘየለ ግን ከካትዕ ዝኽእል ነጥቢ ኣይነበሮን። ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ኣነ ክውንነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን፡ ንኣካናውንኡ ዝበቅዕ ኣቀረርባን ኣሰናድኣን ብመጽናዕቲ ክበጻሕ ዝለዎ’ዩ ኢለ። ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ብብዝዙሕነት ዝቖመን ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምዕብልና ደረጃ    የሎን ካብ ዝብል እምነት’ዩ። ቴድሮስ፡ ኣብ ክልሳ-ሓሳባውን መትከላውን ገለጻ መራኸቢ ብዙሓን ኣተኲሩ። ግደ ናጻ ፕረስ ንህዝቢ ንምምንቕቓሕ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጡኡን ዓቕሙን ክብ ንምባል የኽእሎ’ዩ ኢሉ። ምናሴ፡ ኣህጉራዊ ናይ ሰብኣዊ-መሰል ሕጊን ኣድማሳዊ ትርጉም መራኽቢ ቡዙሓንን ከም መበገሲ ወሲዱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይ ዜጋታት ኣብሪሁ።

 

ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ’ውን፡ ብሓው ኣማኒኤል፡ ረዘነን፡ ዮውሃንስን ዝቐረበ፡ ካብ ተሞክሮኦም ዝመንጨወ ነቲ ናይ ቅድሚ መዓልቲ ዘተ ብዝያዳ ኣሀብቲሞሞ። ብመሰረት ትሕዝትኡ ግን፡ ካብ ናይ ምናሴ ዝፍለ ብዙሓ ነጥብታት ኣይረኸብኩሉን። ብሓፈሽኡ፡ ኣነን ቴድሮስን ተመኩሮና ተ.ሓ.ኤ. ስለዝኾነ፡ ንህ.ግንባር ይኹን ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ደገ ጥራሕ ኢና ክንመዝኖ ንኽእል። እቶም ዝተረፉ ግን ተሞክሮኦም ህ/ግንባርን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ስለዝኾነ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ውሽጢ ስለዝፈልጥዎ፡ ሚዛኖም ድማ ብኡ ልክዕ ኢዩ ነይሩ። እዚ ተሞክሮታት’ዚ ኣብ ዕላማ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣራኣእያ፡ ኣብ ኣመዛዝናን ናይ’ቲ መንግስቲ ፍልልይ ከምዘሎዎ መዚነ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ሓደሽቲ ወለዶን ነባራት ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ የንጸባርቕ ነይሩ።

 

ዘተ ናይ ክልቲኡ ዕለት ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ኢዩ ነይሩ። መራኻቢ ብዙሓን፡ ቀንዲ ዕማሙ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምርካብን’ዩ። ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ኤኮኖሚያዊን ሂወት ናይ ህዝቢ ብዘይ ናጻ-ፕረስን መበእታዊ ሰብኣዊ መሰልን፡ ዘላቒ ምዕብልናስ ይትረፍ፡ ኣንፈት ናይ ንቕድሚት ምስጓም’ውን ዕጽው’ዩ። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምዕብልና ደቂ-ሰባት ቀንዲን ወሳኒን (vital) እምበር፡ ካልኣዊ ቦታ ኣይሕዝን። ንኹሉ ሜዳያት ምንቅስቓስን ምውሳእን ናይ ሓደ ህዝቢ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ መራኻቢ ብዙሓን እንኪ-ትዝቲ፡ ተጐስዩ ዝሓልፍ ህዝባዊ ጉዳይት ኣይህሉን።

 

ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብ፡ ናይ ምቅዋምን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን ወዘተ… ናጽነት እንተዘየለ፡ ናጽነት ትርጉም የብሉን። እዚ መሰላት’ዚ፡ መግለጺ ናይ ምግያጽ፡ ናይ ምቾት፡ ወይ ናይ ቀበጥ-በጥ ኣይኮነን። ከርሲ ናይ ናጽነትን መርኣያ ሰብኣዊ-ክብሪን እምበር። ርእሰ-ናጽነት፡ ሓቂ’ዩ። ሓቂ ድማ ፍትሒ’ዩ። ናጽነት፡ ንሓቅን ፍትሕን ናይ ደቂ-ሰባት ዘረጋግጽ ክውንነት’ዩ። ስለዝኾነ፡ ዘተይቲ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ናይቲ መንግስቲ፡ ኣብ ኩሉ ሜዳያት ናይ ቃልሲ፡ ኣብ መሰረታዊ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣትዮም ክዝትዩ ኣብ ቦትኡ’ዩ ነይሩ።

 

ባህርያትን ኣገልጉሎትን መራኸቢ ብዙሓን፡

 

መራኸቢ ብዙሓን፡ብሕጽር ዝበለ ገለጽኡ- ሓበሬታ፡ ሓሳብን ኣረኣእያታትን ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ፡ ወይ ካብ ሓደ ናይ ዜና ማዕከን ናብ ዝፍሕ ዝበለ ህዝቢ፡ ብመሳርሒ ዜና ኣቢሉ ዝዝርጋሕ መስርሕ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣገልጉሎት መራኸቢ ብዙሓን፡ ብዝተፋላለዩ መሳርሒታትን ኣጋጣሚታት፡ ህዝባዊ ጉባኤታትን ብዋዕላታትን ሰሚናራትን ኣቢሉ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ህዝብን መንግስትን እናራኸበ፣ ብንምዕብንላናን ብክውንነትን ዘዛቲ፡ ዘተሓታት፡ ዘቋጻጽርን ናይ ሓበሬታ ዓውድን መስርሕ’ዩ።

 

መዐቀኒ መራኸቢ ብዙሓን፡ ነቲ ሓበሬታ መን ይእክቦ? ኣድላይነት ናይ ምዝርግሑ መን ይመርጾ? ንከመይ ዝበለ ዕላማ ወይ ሽቶ ንምህራም ይሳናዳእ…? ንዜጋታት የሳትፍዶ ወይስ የዋስን?፡ ሻርነት ዝሓዝ ድዩ ወይስ ሚዛናዊ ኢዩ? ኢልካ ዓይነቱ ክፍለጥ ይክኣል። ብዝኾነ፡ ግደን ተራን መራኽቢ ብዙሓን፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ሂወትን ሰብኣዊ ናጽነትን ናይ ዜጋታት ተነጺሉ ክረአ ኣይክእልን። ስለዝኾነ፡ ኣድማሳዊ ባህርይ ህዝባዊ መራኽቢ ብዙሓን፡ ንፍትሕን ናጻ ህልውናን ደቂ-ሰባት ዝቐውም ባህርያዊ መሰል’ዩ። ከመይ? ንሰብኣዊ ክብርን፡ ንሰብኣዊ ናጽነትን ስለዝሕለቕ።

 

ኩሉ ትካላት/መርበባት መራኸቢ ብዙሓን ግን፡ ንሓቅን ንፍትሕን ዝሕለቕ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ብመንግስቲ ዝውነን መራኸቢ ብዙሓን፡ ቃልን ድልየትን መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕ የተኵር። ስለዚ ብመሰረቱ፡ ነቲ ህዝባዊ ርክባት ተባሂሉ ብመንግስቲ ተዓሊሙ ዝዝርጋሕ ፕሮፖጋንዳ ኢዩ። ፕሮፓንዳ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ክካታዕ፡ ክመሃሃር፡ ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተረድኦታትን ንኽምዕብል ዝነጥፍ ዕዮ ኣይኮነን። ዕላማ ፕሮፓጋንዳ፡ ርእይቶታትን ኣተሓሳስባታትን ህዝቢ፡ በቲ ኣተሓሳስባን መደብን ናይ’ቲ መንግስቲ ክቕረጽን ንኽሰራዕን ዝነጥፍ’ዩ። መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ዝውነንን ሙሉእ ቁጽጽር ዝግበሮን እንተኾይኑ፡ እቲ መንግስቲ መላኽን ዲክታቶርን ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዝሕብር። ብመንግስቲ ዝውነን መራኸቢ ብዙሓን፡ ባዕሉ ንዝፍጽሞ ብልሽውናታትን ግህሰትን ከቃልዕ ኢዩ ማለት ዘይሕሰብ’ዩ። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ናጻ ህልውና ኣረጋጊጹ፡ ብውልቀ-ሰባትን ትካላትን ሞያውያን ማሕበራትን ክውነን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን።

 

ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሕዳር 1996 ዝተእወጀ ናይ ሕጊ ፕረስ፡

 

1. እቲ ሕጊታት ብሚኒስትሪ ዜና ተነዲፉን ረቒቑን። ሰብ-ሞያን፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ልኡል ግደ ከበርክቱ ዝኽእሉ ዜጋታትን ኣየሳተፈን። ፕረስ ናይ ህዝቢ እዝንን ዓይንን ኮይኑ፡ መንግስቲ ብግቡእ ይሰርሕ ምህላውን ዘይምህላውን ንህዝቢ ክገልጽን ክሕብርን ዋኒኑ’ዩ። ጌጋታት ናይ ሰበ-ስልጣናት እንተተረኺቡ’ውን ከጋልጽ፡ ክኸሽሕ ግቡኡ ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ነዚ ክዉን ክገብር ዝኽእል ሕጊ ብሚኒስትሪ ዜና እንተተነዲፉን ረቒቑን ግን ከመይ ኣቢሉ ግቡኡ ክገብር ይኽእል?

 

2.  “ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝድለ ፕረስ”!! ኢዩ ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ሕጊ ናይ ፕረስ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጊ ፕረስ ባዕሉ ኣርቂቑ ክእውጅ ከሎ፡ ንስልጣኑን መደብ ፕሮፖጋንዱኡ ኣብ ግምት እናእተወ ክምዝጻሓፎን ዝቐየሶን ኣየካትዕን። ስለዝኾነ፡ እዚ ዓይነት ሕጊ ፕረስ’ዚ ካብቲ ብሚኒስትሪ ዜና ዝዝርጋሕን ዝቃላሕን ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈነወ ብዓይነቱ ክፍለ ኣይክእልን።

 

3. “ረድዮን ተለቪዥንን ብመንግስቲ ጥራይ ኢዩ ዝውነን” ይብል። ስለዚ መሃሪ መደባት ከም ፊልም፡ መደብ ህጻናትን ከም ካርቱን ዝኣመሰሉ ንመንግስቲ ዝተሓዝኡ ኔሮም። ስለዚ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ሕጊ ፕረስ፡ ንይምሰልን ዝተኣወጀ ኢዩ ነይሩ።

 

ኣድላይነት መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ኤርትራ

 

ኣድላይነቱ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ዝተኻላበተት ሃገር’ያ። ብመስንኪ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምዕብልናን ብልጽግናን ተሓጺሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ’ዩ። እዞም ዝተፋላለዩ ናይ መግዛእቲ ሓይልታት፡ መግዛእታዊ ዕድሚኦም ከናውሑ፡ ዝተፋላለየ መርበብ ናይ መፋላለዪ ሜላታት ዘርጊሖም። ሎሚ ድሕሪ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ናጽነት፡ ነቲ ኩሉ ገዛእቲ ዝገደፍዎ ግዕዘይ-ምዕዘይ ንምጽራግን ዝተጸንዐን ዝተነጸረን መደብ ተሓድሶ ክግበር መድለየ። ተሓድሶ- ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣሰራርሓን፡ ንሓድነት ህዝብን ህንጸት ሃገርን ዘገልግል። ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ተሳትፎን ናይ ዜጋታት እምበር፡ ትሕተ-ቅርጻታት ጥራሕ ምዝርጋሕ ኣይኮነን። ትሕተ-ቅርጻ ቅድም፡ ኣተሓሳስባን ተሳትፎን ከኣ ዳሓር ኢልካ ምእማን፡ ፈረስ ንድሕሪት ሰረገላ ንቕድሚት ከም ምግባር ይቑጸር።

 

እዚ ከም መበገስን መረዳእታን ብምውሳድ፡

 

  1. ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕነት ዝቖመ ህዝቢ ኢዩ
  2. ናይ ኤርትራ ሃገርነት፡ ናይ ሓባር መግዛእትን ጭቆናን እምበር፡ ናይ ሓባር ዕዳጋን ማሕበራዊ ምዕብልናን ዝሃነጾ ኣይኮነን
  3. ኣብ ጊዜ ዓደይ-ዓደይ ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ፍልልይን ይኹን ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ውግእ ሓድ-ሕድ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ርትዓዊ ፍታሕ ይጸበ
  4. ኣብ ኤርትራ፡ መንግስትን ተቓውሞን ኢልካ ዝፍለ ደንበታት ኣሎ። እዚ ድንበታት’ዚ፡ መተሓላለፊ በሪ ዘለዎ ወይ ክህልዎ ዝግበኦ ድዩስ፡ ወይስ መተሓላለፊ ዘይብሉ ልኩት ዝበለ?
  5. ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ የለን።
  6. ሕግን ስርዓትን ብመንጽር ህዝባዊ ፍትሒ (ብመሰረቱ ሕጊ ፕረስ፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብን ስርዓትን ኣዝዩ ተሃዋሲ’ዩ
  7. ሓላፍነታዊ ፕረስ እንታይ ማለት’ዩ?
  8. ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዝነጥፋ ዘሎ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ኤርትራ ክምዝጋብ ኣብ ዝነትጥ ዘሎ ቃልሲ ክህልወን ግደ። መራኸቢ ብዙሓንን ብመንጽር ቦታን ጊዜን … ዝብላ ሓውሲ ኣርእስትታት ምርኩስ ገይረ፡ እዘን ጠቒሰየን ዘለኹ ሸሞንታ ነጥብታትን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣ ኤርትራ ክዝቲ ኢዩ።

 

ተወሳኺ መካትዒ ነጥብታትን ንቕድሚት ክዝትየሎም ዘለኒ ነጥብታትን።

 

    …. በዚ ኣርእስቲ’ዚ ህዝቢ ክካታዓሉ ይዕድም

 

1.        ብምናሴ፡ ብኣማኒኤልን ዮውሃንስ፡ ካብ ዝቐረቡ ነጥብታት፡ ኣንጻር ናይ ሰለላን ፕሮፖጋንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዘይንሕስያ ምቅላስን። ብመሰረቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ነፊጉ የሳቒ ዘሎ መንግስቲ ስለዝኾነ፡ ይፍጽሞ ኢዩ ንዝብሃል ናይ ጽቡቓት ቅንጥብ-ጣብ ክነመጉሶን ክንድግፎን ኣይግባኣናን… ዝብል ኣረኣእያ (ሓሳብ እምበር ቃላት ናተይ ኣመዝጊቦም። እዚ ምስቲ መንግስቲ ዝገብሮ እወንታ ምድጋፍ፡ ንኣሉታኡ ድማ ብትሪ ምቅዋም ዝብል ኣተሓሳስባ ከመይ ይሳነ? ቅንዕንኡን ውድዓዊ ጠመትኡን ከመይ ይምዝን? መንግስቲ ኤርትራ ነጻጊ እምበር ሓቛፊ (inclusive) ኢልና ምስ እንነቕፎ ጠባይ ይሰማማዕዶስ ይእረም?

 

2.        ልኡላውነት ሃገር እንታይ ማለት’ዩ? ልኡላውነት ሃገር ካብ ዲሞክራሲያዊ መሰልን ናጽነትን ህዝቢ ወጻኢ ክግለጽ’ዶ ይኽእል? ወይ እምነ-መሬት ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ መሰል ናይ ዜጋታትን ኣብ ከመይ ይተኣሳሰር?  ከመይ’ከ ይፈላለ?

 

3.        ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ምስቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ ረብሓ ኣለዎ’ዶ የብሉን? ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መርገጽ ደንበ ተቓውሞን ናጻ-መራኸቢ ብዙሓንን ከመይ’ዩ? 

 

4.        ብሰንኪ ጉልቡትን ብሩህ ራእይ ዘይብሉን ደንበ ተቓውሞ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ትሕተ-ሃገራዊ ኣረኣእያን ምጉጅጃልን ኣኸቲሉ ዝብል ሚዛን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?

 

                                                                                          …. ይቕጽል

prodigal

Registered:
Posts: 3
Reply with quote  #2 

ንተራ መዋቲ ወዲ-ኣዳም፡ ሕሱም ዓጻባ ጎራዕራዕ ዘበሉዎ ማዓናጡ ሓቒፉ ኣብ ዝሓድረሉ ወቕቲ፡ ሊቃውንቲ ይኹኑ ዝመሳሰሉ ጕዱሳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰብኣዊ መሰሉ ጠቂሶም ብዛዕብኡ ዝዝትይዎም ስፍ ዘይብሉ ዛዕባታት ብዙሕ ትርጕም ዝህቦ ኣይመስለንን። ዝጠመየ ማዓንጣ፡ ሕቶ ናይ ከብዲ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሰብኣዊ ጥርዓኑ። እቲ እንስሳዊ ጎኑ ምስ ዓገበ’ዩ ወዲ-ሰብ ነቲ ኣምላኻዊ ጎኑ- ማለት ነቲ ዝዓገበ ስግኡ ዘሳንዩ ማሕበራዊ ጸጋታት ሃሰው ዝብሎም።
ኣብ’ዚ ወዲ-ሰብ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ንኽሰፍሮም ኣብ ዝድህሰሶምን ዝፍትሾምን ዘሎ እዋን፤ ኤርትራዊ ውልቀ-ሰብ፤ እቶም መሰረታዊ ከም ሰብ ከጸውዕዎ ዘኽእልዎ ቅድመ-ተደላይነታት ኣየማልኦምን። ማለት፡

--- ልዑላዊ ሃገረ፣
--- ልዑላዊነቱ ዘረጋግጽን መንነቱ ዝሕልዉን ቅዋማዊ ሃገራዊ መንግስታዊ ዋሕስ።

ከም ወጽኢት፡ ኣተኹሮ ኤርትራዊያን ሊቃውንትን ወፈራ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋን ከዘንብል ዝነበሮ ኣብ ምርግጋጽ እዞም ክልተ ልዕል ኢሎም ዘተጠቕሱ ከፈቲ ማዕጾ ሰብኣዊ መሰላቱ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ። እዞም ክልተ መሰረታዊያን ዋሕስ ኤሪትራዊ ውልቀ-ዜጋ ምስ ተረጋገጹ ጥራሕ’ዩ፡ ኤርትራ ጠቂስካ ብድቂ ሰብኣዊን ማሕበራዊን መሰላቱ ዝጣበቐሎም።

ኣበይ ኣሎ እቶም ክሳብ ዝዓፍሩ ብዛዕባ መሰላት ናጻ ፕረስ ዝጣበቑ፡ ሕንጊድነት ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ውሳኔ ብይን ሄግ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፈጠሮ ሰብኣዊን ቁጣባዊን ማህሰይቲ ብጥብቂ ዝተተሓዝዎ። ሰለምንታይ ኣቶ ሳልሕ ጆሓር ኣብ’ቲ ምስ ሓለቓ ድሕረት ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘገበሮ ቃለ-መሕትት ንጕዳይ ምሕዛእ ብይን ሄግ ዋላ’ውን ንቀል-ዓለም፡ ሰለ’ቲ መንፈስ ስውኣትና ክዕርፍ፡ ዘይጠቐሶን… ናይ’ቲ ትማሊ ተሓኤ-ሰባ ናይ ሎሚ ሰልፊ ህዚቢ ኤርትራ’ውን ከምኡ ከም ወሳኒ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ብድምቀት ዘይጭርሕሉ!?! ኣበይ ኣለዉ እቶም ደገፍቲ „መንግስቲ-ኤርትራ“ ነቲ ብኢደ-ወነኑ መንግስትነቲ ጨዊዩ፡ ሃገራዊ ቅዋም ሓዚኡን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ‚ዕዋኖ ዝዋኖ’ ዕንክሊል ዝደቕደቖ ጕጅለ ህግደፍ፡ ሰለ'ቲ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ ዝተመዝገበ ዓወት፡ ትኽ-ብትኽ ኣብ ምድራዊ ናይ ተግባራዊ ባይታ ክምለስ ዘይጣማጠምዎ?!! እቲ ቀዳማይ ብዘይ'ቲ ካልኣይ ትርጕምን ህላዌን የብሉን!!

እዚ ክውንነት ጨፍሊቕካ፤ ብዛዕባ ጥምይት ማዓንጥኣ ጠዊዩ ኣብ ንእዲ ዝጻዓጓ ኣደይ ክህልዋን ክነብራን ዘለዋን ናይ ፕረስ ናጽነት ምትራኽ፡ ወጻእ’ቲ ናይ ተሰፋ-ምቑራጽ ዝፍንዎ ፌናጽ ፍሽክታ ተግባራዊ ውጽኢት የብሉን። ቅድም ስጋዊ ወጥረይ ኣዕንግልዎ፡ ከብደይ ምሰ መልኤ ዘዘንትዎ አለኒ’ዩ እቲ እዋናዊ ጭርሖ!! ኣቤት! ናጻ ፕረስ… ሓድሽ ሕብስቲ ድዩ? እወ! ዝቑረስ ዝብላዕ… ኣካላትካ ኣዕንጊሉ ንማዓልታዊ ንጥፈታት ብድድ ዘብለካ!

biniam

Registered:
Posts: 1
Reply with quote  #3 

   what is wrong with the so called  to themselves journalist
prodigal

Registered:
Posts: 3
Reply with quote  #4 

„ሓው ፕሮዲጋል፡ ኣብ ኤርትራ እቲ “ኣካላትካ ኣዕንጊሉ ንማዓልታዊ ንጥፈትታ ብድድ ዘብለካ…” መግቢ ኣገዳሲ ምዃኑ መዓስ ይሳሓት። ይተካእ-ለቀም ከኣ፡ እቲ ንሕልናን ሞራልን ወዲ-ሰብ ዘበራብርን ዘሐይልን ናይ ምስታፍ፡ ናይ ምዝራብ፡ ናይ ገዛእ-ዋኒን ምውሳን፡ መሰላት ድማ ተሓሪሙ። ንስኻ ግን ነዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት’ዚ ተነፊጉ ምህላው እናፈለጥካ ጎሲኻዮ ክትሓልፍ መሪጽካ። መሰል ናይ ሰሪሕካ ምንባርን መሰረታዊ ፍትሓዊ ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ጥምየት፡ ዓጸቦ፡ ብዘይ መሰረተ-ሕጊ ምእሳርን ምቕታልን እንተድኣ ኣልዩ፡ ኣብ ውሽጢ ገዚፍ ማሕበራዊ ጸገማት የኸትል ምዃኑ ከመይ ትዝንገዖ።“ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ። (ምግናን ናተይ!)

ዝኸበርካ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ፣

እዘን ካብ መልሲ ንሓው ፕሮዲጋል ትብል ሓተታኻ ጠቂሰ ብቀይሕ ሕብሪ ኣድሚቐ ዘጋነንክወን ዐ/ነገራት ቁሩብ ኣሕሚመናኒ። ይፈልጥ፣ ብፍላጥ ክትሕመመኒ ስለ ዝደለኻ ከም ዘይኰነካ። ቅቡሉ’ዩ፣ ኣብ ናይ ሓሳብን ርእይቶን ምልውዋጥ መስርሕ፡ እነተስ ካብ ስነ-ጽሑፋዊ ሕጽረት ወይ’ውን ካብ ትሑት ፈሊጣዊ ዓቕሚ ተበጊሱ፡ እቲ ክተልእኮ እተደልይ ሓሳብ ዳረጋ መብዛሕትኡ ግዜ ከም’ቲ እተደልዮ ኣይበጽሕን’ዩ። ብሕልፊ ብኣይ ወገን፣ እዚ ክልተ ሕጽረታት ቀንዲ መለለይ ጽሑፋተይ ኢዩ። ሰለ’ዚ፡ ኣብ ከም’ዚ ልዕለ ዘጠቐስክዎ መረገጽ እንተኣብጸሓካ፡ ዋና ታሓታቲ ኣነ’የ። ከመይ፡ ትሕዝቶ ሓሳባተይ በቲ ዝግባኦ ኣገበብ አየቕረብከዎምን ማለተ’ዩ።

እዚ ኰይኑ እቲ፤ „መሰል ናይ ሰሪሕካ ምንባርን መሰረታዊ ፍትሓዊ ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ጥምየት፡ ዓጸቦ፡ ብዘይ መሰረተ-ሕጊ ምእሳርን ምቕታልን እንተድኣ ኣልዩ፡ ኣብ ውሽጢ ገዚፍ ማሕበራዊ ጸገማት የኸትል ምዃኑ ከመይ ትዝንገዖ።“ ዝብል፡ ኣሰተንክሮ ዝተጻዕኖ ወቀሳኻ፣ ብኣወንታ ኢየ ዝምልሶ። ኣየዘንጋዕክዎን! ክቡር ሓው፣ ንእተቕርቦ ዘለኻ ሞጎተ፡ ጭብጡነቱ ሚእቲ ብሚእቲ እየ ዝጣበቀሉ።

ካብ ኰነ፤ ስለምንታይ ኣብ ከም’ቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ገምጋም ተበጺሑ! እነተድኣ ካብ ናትካ ዘይፈለይ ርእይቶ ዝወክል ኰይነ፡ እቲ ጸገም ኣበይ’ዩ።
ሕጂ’ውን ድፍረት ከየስምዕ’ምበር፤ ሰነ-ጹሑፋዊ ሕጽረተይ ኣብ ግምት ኣእቲካ ነታ ንናይ ቀዳመይቲ ሓታተኻ ዘቕረብክዎ ርእይቶ ዳጊምካ ክተውከሳ የማህንጽ።

ገለ ክፋል ካብ’ቲ ጽሑፋይ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ከም መንቀሊ ባይታ ትነተና፣

“ኣብ’ዚ ወዲ-ሰብ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ንኽሰፍሮም ኣብ ዝድህሰሶምን ዝፍትሾምን ዘሎ እዋን፤ ኤርትራዊ ውልቀ-ሰብ፤ እቶም መሰረታዊ ከም ሰብ ከጸውዕዎ ዘኽእልዎ ቅድመ-ተደላይነታት ኣየማልኦምን። ማለት፡
--- ልዑላዊ ሃገረ፣
--- ልዑላዊነቱ ዘረጋግጽን መንነቱ ዝሕልዉን ቅዋማዊ ሃገራዊ መንግስታዊ ዋሕስ።“

ይብል ጽሑፈይ። ቀጺለ፡ ሞጎተይ ንምኽራር፡ ጽሑፈይ፡ ከም ዝስዕብ ገይሩ ይጣበቕ፤
“ከም ወጽኢት፡ ኣተኹሮ ኤርትራዊያን ሊቃውንትን ወፈራ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋን ከዘንብል ዝነበሮ ኣብ ምርግጋጽ እዞም ክልተ ልዕል ኢሎም ዘተጠቕሱ ከፈቲ ማዕጾ ሰብኣዊ መሰላቱ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ። እዞም ክልተ መሰረታዊያን ዋሕስ ኤሪትራዊ ውልቀ-ዜጋ ምስ ተረጋገጹ ጥራሕ’ዩ፡ ኤርትራ ጠቂስካ ብድቂ ሰብኣዊን ማሕበራዊን መሰላቱ ዝጣበቐሎም።“
እዛም ብሕበሪ ዘደመቑ ሓሳባተይ ዘተሰከሙ ዐ/ነገራት ዘብርህዎ፡ ብውሕዱ ነዓይ፡ ኣብ ቅደም-ተኸተል ኣተጋባብራ ወይ’ውን ኣሰራርዓ ሰብኣዊ መሰላትና ተጠሚቱ፡ ናጻ ፕራስ ውጽኢት ወይ’ውን ንፖሎቲካዊ ሓርነት ስዒቡ ዝመጽእ መሰል ከም ዝሰርዖ’ዩ ክንጸር ተፈቲኑ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዝጠመየ ሰብ ዓቢ ማዓንጣ’ዩ፡ ንዝብል መባእታዊ መሰል ወዲ ሰብ ምስ ልዑላዊነት ኤርትራዊ ውልቀ-ዜጋ ሰለ ዘኣሳሰርክዎ! እቲ ዝስዕብ ሞጎተ፡ ምትግባር ቅዋም ልዑላዊት ሃገረ መንግስታዊ ኤርትራ’ዩ ዋሕስ ስጋዊ ይዅን መንፈሳዊ መሳላትን።

ተስፋ ይገብር፡ ቦታይን መርገጸይን በቲ ዝግብኦ መልክዓቱ ነጺረዮ ክኸውን።

ብኣጣቓላሊ ክውስድ እነተድኣ ኰይኑ፡ ክብር ሓው፡ እቲ ክባህል ዝግብኦ በቲ ዝግብኦን ቅኑዑ መግለጺኡን ስለ ዝገጠምካዮ፡ ኣብ መላእ ሓተታካ ተቓውሞ የብለይን!

ምስ ሕውነታዊ ኣኽብሮት
prodigal

Registered:
Posts: 3
Reply with quote  #5 
ኣቶ ቃልኣብ

ኣቶ ቃልኣብ ብኣግኡ ክምልሰልካ ዘይካኣልኩ ዋናታት መስከረም.ኔት ንዓይ ክርድኣኒ ብዘይ ክእሎ ምኽንያት፡ ርእይቶይ ከምሓላልፍ ስለ ዘኸልከሉኒ ኢየ!!
ኰይኑ ግን፡ መንገዲ ተኸፊቱ መልእኽተይ ከማሓላልፍ እነተኽኢለ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ‘ቲ ቅድም ኢሉ ዘቕረብክዎ ርእይቶ ከም‘ዚ ዝሰዕብ ትዕዝቢት ዝሓቖፈ‘ዩ።

ኣቐዲመ መርገጸይ ኣብቲ ንማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ ኤርትራ ጠቒሱ ዘሓለፈ ውሳኔ፡ ብዘይ ውልውል ሕጋዊነት የብሉን በሃላይ ኢየ። ሕጋዊ ስለ ዘይኰነ ኸኣ ፍትሓዊን ርትዓውን ኣይኰነን። እዚ ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ኤርትራዊ ናይ እግባይ ዓውታ ክግበረሉ ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ዝውሰድ መሰርሕ ናይ እግባይ ሰላማዊ ሰልፊ ይኸውን ማለት‘ዩ። ሰለዚ፣ ኣነ ከም ኤርትራዊ መቦቖሉ ዉለቀ ዜጋ ካብ ምስ እዋናዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለኒ ጽልኢ ምስ ትወልዲ ሃገረይን መቦቖል ሕዝበይን ዘለኒ ፍቕሪ ስለ ዝዓብይ… ምስ ሕዝበይን ሃገረይን ኢየ ደው ዝብል። ሕጂ‘ውን እነተዀነ፣ ኣብቶም በድሕሪ ሕጂ ዝስዕቡ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣብ ቅድሚተ ኢየ ዝሰራዕ… ኣብዚ እምነተይ‘ዚ ኣባ-ጅጎ፡ እወ! ዋላ‘ውን ኣባ-ጅጎ፣ ግደፍ እንተበለኒ ኣይክሰምዕን ኢየ። ባስታ!!

እንታይ ድኣ ኢዩ፡ ሽግርካ እንተበልካኒ ግን፤ ጸገመይ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።

ኣብ መስከረም.ኔት ወይ‘ውን ኣብቲ ብሽም መስከረም.ኔት ዝቐርብ ውልቀ-ሰብ! ነገረ-ወጠጡ ኣብቲ ጻዊዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ዘይኰነስ- ኣብዚ ርእይቶና ሐደ‘ውን ኣይዅን ዝማሳሰል‘ዩ- እንታይ ድኣ ኣብ‘ቲ መጠቕለሊ! ማለት ኣብ‘ቲ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽትግበር ዘሰነዮ ገለጻ። ብሕልፊ ብሕልፊ ኣብቲ ሕዚብ ምሕያል ኢለ ዝተርጎምኩዎ empowerment of the diaspora   ዝብል ንዓይ ከም ፖሎቲካዊ ጎስጓስ ዘለለኹዎ‘ዩ። እዚ፣ ንሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይድ ካብ ኵሉ ቀጸላታት ሕዝቢ ኤርትራ ዝጽዋዕ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ዝዋሃብ ፖሎቲካዊ መለለይ ኣይኰነን ባሃላይ ኢየ። ንዓይ፣ ሕዝቢ ምሕያል ከም ፖሎቲካዊ ጭርሖ፡ ብመሰል ኤርትራዊ ውልቀ-ዜጋ ፖሎቲካዊ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን ይቕደም። እዚ ኸኣ፣ ሕቶ ፖሎቲካዊ ስልጣን‘ዩ። እዚ ንባዕሉ ሕቶ ሃገራዊ መንግስታዊ ቅዋም‘ዩ!! ኣብ ኤርትራ እዞም ክልተ ቅድመ-ኹነት ዘመናዊ ስቪካዊ ሃገርነት ብዅራት‘ዮም! ካብ‘ዚ ሞጎተ‘ዚ ነቒለ ዝወስዶ መርገጽ፡ እቲ ኣብ ዝቐደመ መልእኽተይ ዘተንባህክዎ ርእይቶ ይኸውን።
ሓሳባተይ ንምድምዳም፣ ብናይ ኣተጋባብሩ ቅድም-ተኸተል፤

1)  መኸተ ኣንጻር ግዳማዊ ተጻብኦታት፡ ብዓቢኡ ወታሃደራዊ ህላዌ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ። እዚ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ብይን ናይ እቲዮ-ኤርትራ ናይ ዶብ ግርጭት ኰይኑ… በትን ዋሕስ ናይ ትግበሮ ኢዚ ውሳኔ ዝዀና ትካላትን ሃገራትን ስለ ዝተጎስየ። ሓደ ካብ‘ዚ ትካል‘ዚ ሕብራት መንስታት ዓለም ስለ ዝዀነ። ስለዚ፤ ኤርትራ ከም ሃገረ ኣባል ናይ‘ዚ ትካል ከም ዝኸነት መጠን ነዚ ጥምዙዝ ፖሎቲካዊ ሚዛን ወይ ዝምድና ከተቃልዖ ልዑላዊ ጕቡኣን መሰላን ይኸውን። ንሕና‘ውን ከም ደቂ ሃገረ፡ ኣበየናይ መሰርዕ ናይ‘ዚ እዋን‘ዚ ፖሎቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ንሰራዕ፡ ህላዊና ከም ሕዝብን ሃገርን ኣልፋ ዎ ኦሜጋ መንነታዊ መገለጺና ከም ዝዀነ ክንዝንግዕ ከም ዘይብልና።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ይዅን ዝስዕቡ ዳሕረዎት ምስ መንፈስ ናይ‘ዚ ቅድም ኢለ ዘብራህክዎ ህላዌና ከም ሃገርን ሕዝብን ዝውስን ቃልሲ ኢዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ነዚ መሰልዚ ኸኣ ዝህበንን ዝምንጥለነን የለን!

2)  መኸተ - ንውሽጣዊ ዓመጽ፡ ኣብዚ ብዙሕ ኣይክዛርብን ኢየ፤ ከመይ፡ ምስ ምትግባር ቅዋማዊ መንግስታዊ ቅርጻ መንግስቲ ስለ ዝተተሓሓዝ። ኰይኑ ኸኣ፣ ምስቲ ዅሉ ብየማነ-ጸጋም ዝሕሽዅሾኽ ጽውጽዋያት… ሓንቲ ሃገር ጎዶሎ ቅዋማዊ መንግስታዊ ሰርዐተ መንግስቲ… ሓንቲ ኢዳ-ዋኒናዊት ሃገርያ። ኢዚ‘ውን ንእዋናዊት ኤርትራ ዝገልጽ ፖሎቲካዊ ክውንነት ኢዩ። ኣብዚ፣ ኣብቲ ብኸመይ ነዚ ፖሎቲካዊ ድሕረትዚ ንገጥሞ… ክንፈላለይ ንኽእል። ንቡር‘ዩ! ብምንም ምኽንያት ግን ብግደማዊ ሓይልታት ዝተጠጅኤ… ኣይከውንን! እነተዀኑ ኸኣ፡ ሃገራዊን ኤርትራዊን ኣይከውንን!

ምስ ሃገራዊ ፍቕሪ

Previous Topic | Next Topic
Print
Reply

Quick Navigation:


Create your own forum with Website Toolbox!